ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዝተፀገሙ ወገናት ሓገዝ ሂቡ

ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዝተፀገሙ ወገናት ሓገዝ ሂቡ

እቲ ሓገዝ ኣብ ከተማታት ዓድዋን ኣኽሱምን ዝተውሃበ ኮይኑ ብጠቕላላ ን160 መራሕቲ ስድራ ተበርኪቱ ኣሎ።

ተጠባባቒ ምክትል ፕሬዚዳንት ጉዳያት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶ/ር ገብረመድህን መዝገበ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ዘሎ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ንምንካይ ክሰርሕ ምፅንሑ ጠቒሶም።

ወሲኾም እውን “እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ብዙሕ ኮይኑ ከይኮነስ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ እቲ ሕብረተሰብ ምዃንና ንምሕባር እዩ” ኢሎም።

ብንእሽተይ ሸቐጥ ክመሓደራ ድሕሪ ምፅናሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዝወፀ ኣዋጅ ስራሕ ጠጠው ዘበላ ወይዘሮ ስዕዲ መሓመድ ቆልዑ ከዕብያ ከምዝተፀገማ ገሊፀን።

ሓደ ኩንታል ሓገዝ ምርካበን ዝገለፃ ወይዘሮ ስዕዲ ንተበግሶ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብምምስጋን ካልኦት እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ፀዊዐን።

ወይዘሮ ፅገ ኣማኑኤል ብወገነን ካብ ኢድ ሰብ ክፅበያ ድሌት ሃልይወን ከይኮነስ ለበዳ እዚ ሕማም ሰሪሐን ከይበልዓ ከምዝዓገተን ብምግላፅ እዚ ከቢድ እዋን እናተሓጋገዝካ ምሕላፍ ከምዘድሊ ገሊፀን።

ካብ ኮሚቴ መተሓባበርቲ ሓገዝ መምህር መዝገበ ገብረሚካኤል ብወገኖም ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ዝተደንገገ ገደብ ልሙድ ምንቅስቓስ ስዒቡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ቁጠባዊ ፅልዋታት ብምፅናዕ ኣዝዮም ዝተፀገሙ ወገናት ብምፍላይ ካብ ወርሓዊ መሃያ ብምትእኽኻብ ዝተውሃበ ምዃኑ ሓቢሮም።

 

 

 

 

 

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተኽላይ ፍሰሃየ “ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ማሕበራዊ ፀገማት ሕብረተሰብና ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ድጋፋት ክገብረልና ፀኒሑ እዩ ሎሚ እውን ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ሕብረተሰብና ዘሎ ፀገም ብምፍታሽ ንዝገበርዎ ድጋፍ ነመስግን” ኢሎም።

ኣብ ዓድዋ ን200 ወገናት ኣብ ኣኽሱም እውን ን100 መራሕቲ ስድራ ሓገዝ እኽሊ ተዋሂቡ።

ብተመሳሳሊ ን800 ዝተፀገሙ ወገናት ብሄረሰብ ኩናማ ድጋፍ ከምዝተውሃበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Written by